Friday, August 28, 2020

An Old Lodge at Dugum

This is an old lodge built probably in the 1960s Geez Calendar by the visionary man of deeds Raesi #Seyoum #Mengesha, the then governor of Tigrai.




The buildings constructed to reflect the exact housing style of typical Tigrai architecture with a grand vision of serving as a lodge to tourists visiting #Gheralta and surrounding.


Located at #Degum, a small town serving as a gateway to the Gheralta chains of mountains, they are on the roadside of the main highway running #Abraha_We_Atsbeha to #Megab. Facing to the south and southwest mountains, they have the best view of the majestic escarpments.


Today, these buildings are mere ruins left to tell unfinished history in the making. I can imagine the motive and #vision behind the project that drove the Raesi to construct it. This is farsightedness in leadership. This is what a visionary leadership means.



Tuesday, August 25, 2020

ታሪኽ ኣያና ግራዝማች ሓዱሽ ኑርሑሴን ካብ 1926 ክሳብ 2012። ኣያና ንትግራይ እንታይ ገይሮምላ?

ግራዝማች ሓዱሽ ኑርሑሴን ማያዝያ 1926 ዓ/ም ኣብ ሽረ ፍሉይ ቦታ ዓዲሓኖ ተወሊዶም። 
ግራዝማች ሓዱሽ ብዕድመን ብቁመትን ምስዓበዩ ኣብ ዓድዋ ሃይማናታውን ኣካዳሚያውን ትምህርቲ ተማሂሮም። ብድሕሪ እዚ ድማ ናብ ጎንደር ከይዶም ብተሓደ ገፅ ትምህርቶም እንትከታተሉ በቲ ኻሊእ ገፅ ድማ መካየዲ ስራሕ መዋፈሪ መካይን ሓጂ ዓብዱ ኮይኖም ሰሪሖም። 
1956 ዓ/ም መካየዲ ስራሕ መዋፈሪ መካይን ሓጂ ዓብዱ ኮይኖም ናብ መቀለ ተቀይሮም መፂኦም። 
ግራዝማች ሓዱሽ ምስ ኣመሓዳሪ ትግራይ ዝነበሩ ልኡል ራእሲ መንገሻ ብሙዃን ሰፋሕቲ ናይ ልምዓት ስራሕቲ ሰሪሖም እዮም። 
ግራዝማች ሓዱሽ ህዝቢ እንትብደል ምርኣይ ብጣዕሚ ይስመዖም ስለዝነበረ ኣንፃር መንግስቲ ሃይለስላሰ ቃልሲ ንምጅማር 1948 ዓ/ም ምስ ስሑል ኮይኖም ማሕበር ሸውዓተ ዝበሃል ሕቡእ ማሕበር ኣጣይሾም ነይሮም። መንግስቲ ነቲ ምንቅስቃስ ነቂሑ ንንስሑል እንትእሰሩ ተዘሓሒሉ። መሊሶም 1952 ዓ/ም ስሑል ካብ ኡሱር ቤት ምስተፈተሐ ማሕበር ሰለስተ ዝበሃል ሕቡእ ውዳበ ቃልሲ ኣብ መቀለ ኣጣይሾም ቃልሶም ቀፂሎም። በዚ ጥራሕ ጠጠው ከየበሉ ምስ ስሑልን ብርሃነ ኣየለን ተማኺሮም ኣብ ኤርትራ ምስ ዝነበረ መራሒ ውድብ ጀብሃ እድሪስ ዓወተ ኣብ ቀፃሊ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ተዛትዮም እዮም። 
ግራዝማች ሓድሽ ኣብቲ ካብ 1961 ዓ/ም - 1966ዓ/ም ዝነበረ ምንቅስቃስ ተማሃሮ ንምዕዋት ምስ ስሑል ኮይኖም ኣብ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ እንዳኣተው ተማሃሮ ንመሰሎም ቃልሶም ከጉሃህሩ የለዓዕሉ ነይሮም።
ህወሓት ደደቢት ቃልሲ እንትትጅምር ስሑል ንግራዝማች ሓዱሽ ኣብ ከተማ ኮይንኩም ሓግዙ ኢሉዎም ንበረኻ እንትወፍር ፈለማ ገንዘብን እኽልን ንጀመርቲ ቃልሲ ኣወፊዮም። ድሓር ድማ ብሬናት ከይተረፈ ኣፅዋራት እንዳዓደጉ ይልእኹ ነይሮም።
1970 ዓ/ም ቀለበት ዝሓዛ ሓንቲ ሓይሊ ህወሓት ኣብ ከተማ ሰለኽለኻ መጥቃዕቲ እንትትፍፅም ግራዝማች ሓዱሽ ናይ ውልቆም መኪና ብተጋደልቲ ህወሓት ተሃጂማ። ግራዝማች ሓዱሽ ፀገም የለን ነቲ ቃልሲ ክትጠቅመኩም እያ ውሰድዋ ኢሎም ፈቂዶም ኣወፊዮማ። 
ግራዝማች ሓዱሽ ድሕሪ ዓወት እውን ኣብ ምጥያሽ ትካላት ትእምት ኣበርክቶ ነይሩዎም። 
ካብ መለስ ጀሚሩ ክሳብ እቶም ሕዚ ኣብ ማእኸላይ ኮሚቴ ንዘለው ኣመራርሓ ልክዕ ከም ደቆም ብምርኣይ ኣባታዊ ምኽሪ ይልግሱሎም ነይሮም። 
ግራዝማች ሓዱሽ ኹላሻዕ ዝደጋግምዋ ቃሎም ኣንቱም ደቅና ትግራይና ኣማዕብልዋ። ትግራይ ካብ ሽርሕታት ሽዋ ነፃ ግበሩዋ ይብሉ ነይሮም። 
እዞም ሃርበኛ ልምዓት ወላዲ ደጊም ዕድመይ ደፊአ እየ ጥዕና እውን ኣይግድን ዘለኹ እሞ ዝተረፈት ህይወተይ ንትግራይ እንዳሰራሕኩ ኣብ ትግራይ ዓደይ ክቅበር ምእንቲ ኢሎም ናብራ ኣዲስ ኣበባ ገዲፎም ኣብ ሽረ እዮም ዝነበሩ ነይሮም። 
ግራዝማች ሓዱሽ ንርእሶም ለጋስ ኮይኖም ካብ ኣፎም ንሰብ ኣቀዲሞም እንትህቡ ብተደጋጋሚ ሓሚሞ መሐከሚ ስኢኖም ተሸጊሮም እዮም። ካሊእ ይትረፍ ናይታ ዘወፈኽዋ መኪና ቁሩብ ሃቡኒ ንመሐከምን ንልምዓት ትግራይ ከወፊ ኢሎም ንኣባይ ወልዱ፣ ኣለም ገ/ዋህድ፣ ጀነራል ሳሞራ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓን ከም ዝሓተቱ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ሰነዳዊ ፅሑፍ ደብዳበን ኣለና።
ግራዝማች ሓዱሽ ኑርሑሴን ትማሊ 19 ነሓሰ 2012 ዓ/ም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም ኣለዉ። 

ሙሉእ ታሪኽን ቃልሲ ኣብ ልምዓት ኣብ ሃይማኖታዊ ምንቅስቃስ ከይተረፈ ግራዝማች ሓዱሽ ካብ ቃሎም ብፁሑፍን ኦዲዮን እውን ኣረኪቦምኒ እዮም።  
እቲ ዘሕዝነኒ ድማ መቃብር ስሑል ካብ ሓመድ ናብ ስሚንቶ ቀይርኩም ብህይወት እንዳሃለኹ ኣርእዩኒ ዝበሉና ቃል ዘይምፍፃምና እዩ። ኣቦ ፈጣሪ ይቀበልኩም

Saturday, August 22, 2020

What is Ashenda (ኣሸንዳ) Festival?


Ashenda (Tigrinya: ኣሸንዳ), also called Ashendeye (አሸንድዬ)Shadey (ሻደይ)Solel (ሶለል) in Amharic, is a cultural festival celebrating in northern Ethiopia among Orthodox Christianity followers. It is typically celebrated between 22–29 August every year. Its length varies from three days to one month depending on the locale (shorter in urban areas, longer in rural areas). The holiday is mainly celebrated in the Tigrai and spread to some parts of the neighboring region Amhara. In this festival, young girls don Habesha kemis singing songs as they gathered in dozen while using traditional musical instruments, mainly kebero.

The holiday has several local names.

1. In Waghimra Zone, Shadey in Lasta Solel

2. In Raya, Enderta, Adwa, Shire, Tembien, and Mekelle it is called Ashenda (Tigrinya: ኣሸንዳ) (16 17 August).

3. In Adigrat it is called Mariya (Tigrinya: ማርያ) (16–18 August).

4. In Axum it is called Ayniwari (Tigrinya: ዓይኒዋሪ) (24–26 August).