Friday, May 8, 2020

ውቑር ቤተክርስትያን ኣርባእቱ እንስሳ ዓዲ ጭዋ

ውቅር ቤተ ክርስትያን ኣርባእቱ እንስሳ ዓዲ ጭዋ። እዚ ቤተ ክርስትያን እዚ ኣብ ወረዳ ሳዕሲዕ ፃዕዳ እምባ ፣ ጣብያ ስንቃጣ ፣ቁሸት ዓዲ ጭዋ ዝርከብ ካብ ከውሒ ዝተፈልፈለ ህንፃ እዩ። 44 ካብ ኮክሒ ዝተፈልፈሉ ዓምዲ ድማ ይውንን።

Photo credit, Saba Hailu 
ካብ ከተማ ፍረወይኒ ኣስታት 1.5 ኪ/ሜ ንኣንፈት ምብራቅ ርሒቁ ዝርከብ እንትኸውን 6 ዓርሶም ክኢሎም ጠጠው ዝበሉ ካብ ከውሒ ዝተፍልፈሉን 6 ድማ ምስቲ ዋና ከውሒ(mother rock) ተታሒዞም ዝተሰርሑ ዓምድታት ይርከብዎ።ኣብ ውሽጡ 3 ቤተ መቅደስ ኣለዎ።ኣብቲ ከውሒ ዝተስኣሉ ናይ መላእክታት ስእሊ፣ መሳቅል፣ ጥንታውያን ናይ ብራና መፃሕፍቲን ካልኦት ዕድመ ፀገብ ንዋየ ቅዱሳንን ዝወነነን ኣብ ከባቢ 10ይ ክ/ዘበን ድማ ከም ዝተሰርሐን ይእመነሉ።ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዙርያ እዚ ቤተክርስትያን ካብ ከውሒ  ዝተሰርሑ መቃብራት እውን ዘለዎ ታሪኻዊ ቤተክርስቲያን እዩ።ምርኣይ ምእማን እዩ እሞ ክንጉብንዮ ኣለና!!

No comments:

Post a Comment