Saturday, May 23, 2020

ጉማየ ታ ማለት ዩኡ?

✍️✍️✍️ ጉማየ ✍️✍️✍️

ጉማየ ታ ማለት ዩኡ?

ጉማየ አጀማምራኡ ቓደም ቕድሚ ቓደማይ ወያነ ምስ ግዜ ጋዝ ትደሓሐዘ ዩኡ። ጋዝ ብወለዲና ኣብ ዓፋርይ ራዮተትይ ድግበር ድነበረ ጥርት ብሓይሊ ምውራር ኾይኑ ድቲ ወራር ትፈላለዩ ኣፅዋር ብመፅዐኛ ምስ ስንቆም ፅዕኖም ይኸዱ። ኣብቲ ግዜ ትፈላለዩ ሕጭረት ስንቂ ስለ ዳጋጥም ሰባት ኣብ ኸይዲ ይርሕቡ፣ ማይ ይፀሙኡ የኦም። ሓደ ግዜ ድሕሪ ጋዝ ሓደ ጋዘታይ ኣብ መንገዲ ደኽሙ የመና ማይ ፅምኢ ኣጋልሱ ዳብ እግሪ ኦም ካፅልል ትብሎ ኣብ ከባቢ ዓፋር ጋሞጀ ድበሃል ጉማ ድበሃል ኦሞራ ክበልዖ ይሻለል። ስውኣይ ጠበንጃኡ ኣዋድዱ ክወቅዖ ትብል ጉማ ዳብ ሰማይ ልዕል ይብል። ድደኸመ ጋዘታይ ኣብ ውሽጢ ቓንጠፍጠፈ ፅላል ግልህ ግልህ ኣብሉ ኣፈሙዝ ዳኦሞራ ውጥ ኣብሉ ከይፀፍዖ ላተሓላለየ ላተሓላለየ ይፀንሕ። ድሕሪዚ ስውኣይ ቑዘማ ይጅምር...


ጉማ ጉማ ጉማ
ትሻለልኻ ሲማ
ጉማ ጉማ ጉማ
ኾለልኻኒ ስማ
ጉማ ጉማ ጉማ
ትበልዕ ደማ
ጉማ ጉማ ጉማ
ሽላ ሰማይ ትሻለልኻ ሲማ

ትበልዐኒ ደማ ውሉ ዳብ ዜማ ይቕይሮ። ድሕሪ ትወሰነ ግዜ ምድሪ ዝሕልሕል ምባል ትጅምር ጉማ ተስፋ ቖርፁ ይኸድ ስውኣይለ ፅምኢ ቑርፅ ያብለሉ ምድሪ ዝሕል ብድበሎ ቖፅለ በረኻ ሸማጥጡ በልዑ ድሕረኡ ካቲ ቓንጠፍጠፈ ወፁ ክኸድ ትብሎ ቓንጠፍጠፈኡ ቀጭ ላበሎ ላሕ ብዳበሎ ለለ ጉማ ይጅምር....

ጉማ ጉማ ጉማ
ኣግባእኻኒ ኣብ ማእኸል ሁርማ
ጉማ ጉማ ጉማ
ትበልዐኒ ደማ..

ካጋዝ ድኻተተ ኹሉ ትኣክቡ በል ሰብ ሓብሩ ትበሃል እቲ ድደኸመ ሰብ ደይምህላዩ ይፍለጥ። ኣጋጣሚ ኣብ ድኾነ ቦታ በፅሑ ሃምድነበረ ድረአዮ ስውኣይ ኣብ ሃምዚ ዳበለ ከባቢ በፅሑ ነብሩ ድሕረኡ ግን ኣያም ኣይበልኹዎይ ይብል። ድሕሪዚ እቲ ርእየዮ ድበለ ምስ መሓዝቱ ኾይኑ ኣብታ መጠረሻ ድረአዮ ቦታ ካድበፅሑ ሁር ላበሉ ይኸዱ። ኣብቲ ቦታ ብድበፅሑ በቃ እዚ ኹሉ ኩናት ሓልፉዶ እኸለ ዓርከይ ኣብዚ ብትባራሪ ሰብ ከልፊ ቓርዩ ዩኡ ብድብል ላሓዘኑ….

ኣጋጣሚ ምድሪ ብድነፈሰሉ እቲ ስውኣይለ ካብቲ ድነበሮ ጎሽጎሻ ውሽጢ ወፁኡ ዳዓዱ ክምለስ ላበለ ኣሰር ኣሰር ደቂ ጋዙ ላትኻተለ ክኸድ ዱኡ ዳለያ ድመፁ መሓዝቱ ዶርጋዕ ዶርጋዕ ድብል ድምፂ ስለድሰምዐ ካብ ጉማ ወፀዶ ለለ ኻልኣት ደመኛ መፆምኒ ብሉ ገለስ ብሉ ኣድርጩ ላሃለ ኣጋጣሚ ኣዕርኽቱ ኾይኖም የቶ እኸለ ዓርክና ካዚ ኹሉ ጭፍጭፍ ጋዝ ወፅኻዶ ኣብ መንገዲ ኣደዳ ጉማ ኾይንኻ ቓረኻ ትብል ቀው ኣብሉ ይስምዖም። ኣዕርኽቱ ምኻኖም ብድፈለጠ ኣዕርኽተ ኣብዚ የአ ድነሀኹ ይብሎም። ድሕረኡ ትሓጉሶም ቃውሳ ወቕዖም ዕይይይ…. ይብሉ። ዳቶም ደቂ ጋዝ ይኸዱ፣

ድሕሪዚ ዳደቂ ጋዝ ጥቓ ትበፅሕለዩ መግለፂ ሓጎስ ለለ ቃውሳ ዕይይይይይ ይብሉ። ካዉኡ ደቂ ጋዝይ ኣቦ ጋዝይ መፆም መፆም.... ብሎም ትሓጉሶም ሃመይ ሃምድቓረየ፣ድምንታይ ሃምድቓረየ ይጥዩቑዎ። ጉማ ድገበሮ ግባሮ ኹሉ ድወፀሉ ኹነታት ገልፁ..

ሃመይ ብልኻማ ወፅኻ ትብለዩዎ

ጉማ ጉማ ጉማ
ትሻለልኻ ሲማ
ጉማ ጉማ ጉማ
ኾለልኻኒ ስማ
ጉማ ጉማ ጉማ
ትበልዕ ደማ
ጉማ ጉማ ጉማ
ሽላ ሰማይ ትሻለልኻ ሲማ
ጉማ ጉማ ጉማ
ኣግባእኻኒ ኣብ ማእኸል ሁርማ
ጉማ ጉማ ጉማ
ትበልዐኒ ደማ..

ብለ ሓውሲ ቖዘማ ላቖዘምኹ ጉማ ምድሪ መሽዩዎ ኣውድቑኒ ኸይዱ፣ ኣነለ መንገድይ ክቕፅል ጅምር ታብል መሓዙተ ትቓብሎምኒ ብድበሎም ደስታ ፈስታ ኾይኖም ድሕርዚ ስምዕት ትፈላለዩ ኹነታት መግለፂ ኾይኑ ብኡ ጉማየ ትለምዱ ቓርዩዩ በለና በልናካትኹም ኣየና መንገሻ ኣምባሳደር ባህሊ ራያና። ኣብ ጉማየ ፍሉይ ስምዒትኻ ምቁፅፃር ኣውዩካ ውርር ታብለካሎ ብሁብብብ..ታ ይግለፅ። ሁብብብ ደማ ናፅጋብ ወይ ታሕጓስ መግለፂ ዩኡ።

እዚ ፅሑፍዚ ምስ ትወሰነ መራጎዲ ሓሳብ ትቃምሙ ኣብ ድኾነ ስራሕ ሕዝናዮ ቦኽ ድምባል ንሙክር የና። ድኹሉይ ምሉይ ዕድመይ ጥዕኛይ ይሃበና።

ፍልፍል ሓሳብ፣ መንገሻ ረዳኢ

No comments:

Post a Comment